ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ስግኣት ብሄራዊ ድሕንነት ኣብ ምትራፍ ዕዉት ስራሕቲ ምስርሑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ህልውና ሃገር ዝተሃቀኑ ስግኣታት ብሄራዊ ድሕንነት ዝኾኑ ኣቐዲምካ ኣብ ምፍሻል ዕዉት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሄራዊ ኣገልግሎት፥ መዛዘሚ ኣፈፃፅማ ዘበነ ስራሕ 2013 ዓሚቕ ግምገማ ብምግባርን ኣብ ትልሚ ዘበን ስራሕ 2014 ዝርዝር ተግባራት ብምዝታይ ቀፀልቲ ኣንፈታት ኣቐሚጡ።

ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ድሕንነት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሃገራዊ ሓድነት ንምፍራስ ዝዓለሙ ስግኣታት ብሄራዊ ድሕንነት ኣብ ምምካት ውፅኢታዊ ተግባራት ተሰሪሖም ኢዮም።

እቲ ኣገልግሎት ቤት ዕዮ ብፍላይ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ንኽኸውን ኣብ ምግባር፥ ከይዲ ቅድመ መረፃ፣ እዋን መረፃን ድሕሪ መረፃን ሰላማዊን ዕዉትን ኮይኑ ንኅዛዘም ምስ ኣካላት ፀፅታ ፌዴራልን ክልልን ብምውዳድ ብምስራሕ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ካብ ምብርካቱ ብተወሳኺ 2ይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ንኽዛዘም ዝተነበረሉ ትላዊ ሓላፍነት ብምውፃእ ቁልፊ ግደ ምብርካቱ ኣይተ ተመስገን ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ምስ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምኡ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ወፍሪ ህልውና ተተሓሒዙ ወሰንቲ ምውፋር ሓበሬታ ብምስላጥን ኣመራርሓ ብመሃብን ዝተሃቀነ ስግኣት ድሕንነት ብምትራፍ ልኡኽትኡ ተዋፂኡ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ትካል ኣብ ቀፃሊ ኣፈፃፅማ ዘመሓይሹ ተኸታተልቲ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ከምዝስርሑ እቶም ዳይሬክተር ጀነራል ኣብሪሆም።

ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራዊ፣ ከባቢያዊን ሃገራዊን ስግኣታት ድሕንነት ብምትንታን ብሄራዊ ድሕንነት ሃገር ዘረጋግፅ፣ ነባራዊ ኩነታት እዚ እዋን ዝምጥን ጥንኩር ፕሮፌሽናል ትካል ንምህናፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፆም እቲ ኣገልግሎት ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment