ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 11 ፓርቲታት ፖለቲካ ውሳነ እገዳ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ኦዲትን ምስ ኣባላት ደቂኣኒስቲዮ ጠሚቱ ዘሎ ደገፍ ገንዘብ  ተዛሚዱ ኣብ ልዕሊ 11 ፓርቲታት ፖለቲካ ውሳነ እገዳ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ንሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከምዘፍለጦ፥ ውሳነ እግድ ዝተመሓላለፈሎም ፓርቲታት ፖሊቲካ፥ “የኦሮሞ ነጻነት ንቅናቄ፣ አንድ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ፖርቲ፣ ጌዲኦ ህዝብ ዴሞክራሲያዊ ድርጅት፣ የሐረሪ ዲሞክራሲያዊ ድርጅት፣ የገዳ ሥራዓት ለኦሮሞ ነጻነት ፓርቲ፣ የዎላይታ ብሔራዊ ንቅናቄ፣ አዲስ ትውልድ ፓርቲ” ኢዮም።

ብተወሳኺ “የጋምቤላ ብሔራዊ ዴሞክራሲያዊ ንቅናቄ፣ የጋምቤላ ህዝቦች ዴሞክራሲያዊ ንቅናቄ፣ የኢትዮጵያ ዴሞክራቲክ ኅብረትን አገው ለፍትህና ለዲሞክራሲ ፓርቲ” እውን እቲ ውሳነ ዝተውሃቦም ኢዮም።

ኣብ ልዕሊ እቶም ፓርቲታት ዝተውሃበ ውሳነ፥ እቲ ቦረድ ዝተፈለየ ውሳነ ክሳብ ዝህብ ንግዚኡ ካብ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ምንቅስቓስ ተዓቂቦም ንክፀንሑ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።

 

Comments (0)
Add Comment