ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ስትራቴጂክ ትልሙ ሓሙሽተ ዓመት ኣፋሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራቴጂክ ትልሙ ኣፋሊጡ።

ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ ከምዝበልኡ፥ እቲ ትልሚ ምስ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት መንግስታት፣ ማእኸል ደገፍ ምርጫ ኣውሮፓን ዓለም ለኸ ፋውንዴሽን ስርዓት ምርጫ ብዝተገበረ ደገፍን ብመዳርግቲ ኣካላትን ናይ ሓባር ፃዕሪ ዝተዳለወ ኢዩ።

ስትራተጂካዊ ትልሚ እቲ ቦርድ ከይዲ ምርጫ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዘካይደሉ ክእለት ንምጥንኻር ዝዓለመ ኢዩ ኢለን።

ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫን ከባቢያዊ ምርጫን ፍኖተ ካርታ ንምስንዳእ መሰረት ከምዝኸውን ገሊፀን።

ብይስማው ኣደራው

Comments (0)
Add Comment