ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኣብ ዘሰናደኦም ዝተፈላለዩ መምርሒታት ኣድሂቡ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰናደኦም ዝተፈላለዩ መምርሒታት ኣድሂቡ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ተዛቲዩ።

እቲ ቦርድ ብኣዋጅ 1162/2011 ዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ብምግባር ዝተፈላለዩ መምርሒታት ብምስንዳእ ቅድሚ ምፅዳቖም ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ዝተፈላለዩ ዘተታት እናካየደ ይርከብ፡፡

ቀንዲ ዕላማ እቶም ዘተታት ድማ ብመዳርግቲ ኣካላት ዝወሃቡ ርኢቶታት ከምእታወት ንምጥቃምን እቶም መምርሒታት ንምፍላጥን ኢዩ።

ትማሊ 14 ሕዳር 2013 ዓ.ም ብፍሉይ ኩነታት ዝጣየሹ ጣቢያታት መረፃን ምዝገባ ሰበኽ ሳግም መረፅቲን ኣብ ዝምልከቱ መምርሒታት ምስ ሲቪል ማሕበራት ምይይጥ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ኣብ ሰበኽ ሳግም፣ ተምሃሮ፣ ተፈናቐልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ደቂ ኣንስትዮን ጉድኣት ኣካልን ዝሰርሑ ሲቪክ ማሕበራት ኣብቲ ዘተ ተሳቲፎም፡፡

ዋና ዕላማ ክልቲኦም መምርሒታት ካብ ቀዋሚ መንበሪኦም ርሒቖም ዝነብሩ ዜጋታት ብሕገ-መንግስቲ ዝተረጋገፀሎም መሰል ምምራፅ ብዝተማለአ መልክዑ ምጥቃም ንኽኽእሉ ተበፃሒ ዝኾነ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ ሰበኽ ሳግም ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብመንፅር ኣነባብረኦም ናይ ምምራፅ መሰሎም እንተይተጠቐሙ ከይተርፉ ንምግባር ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ዘተ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 11 ሓዳር 2013 ዓ.ም ኣብ መምርሒ ድልድል ኣየር ሰዓት ጎስጓስ መረፃ ፓርቲታት ፖለቲካ ዘተኮረ ዘተ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካን ኣካላት ሚዲያን ምይይጥ ምግባሩ ይዝከር፡፡

ኣብቲ ድልድል ኣየር ሰዓት ካብ መለክዒ መቐመጢ ወንበር ፓርላማ ብተወሳኺ፦
– ብማዕረ ዝድልደል 25 ሚኢታዊ ኣየር ሰዓት
– ፓርቲታት ኣብ ዝወዳደሩሉ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዘቕርቡዎም ብዝሒ ሕፁያት ዝድልደል 40 ሚኢታዊ
– ፓርቲታት ዘቕርቡዎም ሕፁያት ተወዳደርቲ ደቂ ኣንስትዮ በዝሒ ዝድልደል 20 ሚኢታዊ

– ፓርቲታት ዘቕርቡዎም በዝሒ ህፁያት ጉዱኣት ኣካል ዝድልደል 10 ሚኢታዊ ኣብ ዝምልከት ዘተ ተገይሩ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment