ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ሃረሪ፣ ሶማሌን ደቡብን ዝተኻየደ መረፃ ውፅኢት ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ሃረሪ፣ ሶማሌን ደቡብን ዝተኻየደ መረፃ ውፅኢት ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ቦርድ ኣብተን ክልላት ኣብ ቀረባ እዋን ተኻየደ ሓፈሳ መረጻ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።

የመግለጫው ሙሉ ቃል የሚከተለው ነው።

እቲ ቦርድ ኣብ መግለፂኡ 20 መስከረም 2014 ኣብ ዝተኻየደ መረፃ 5 ሺሕን 935 ጣቢያታት መረፃ ን47 መንበር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን 106 ክልላት መረፃ ኣቢያተ ምኽሪ ክልላት ምሃብ ድምፂ ተኻይዱ ኢዩ።

ኣብቲ መረፃ ድማ ብሓፈሻ ካብ 11 ትካላት ዝተውፃእፅኡ 2 ሺሕን 569 ዝኾኒ ሲቪል ማሕበራት ብተዓዛብነት ታሰቲፎም ተባሂሉ።

ከይዲ ምሃብ መረፃ ተዛዚሙ ኣብ ክልላት መረፃ ውፅኢት ዕላዊ ምስተገበረ፥ ሕጊ መሰረት ብምግባር ኣብ ማእኸል መረጋገፂ ውፅኢት መረፃ እቲ ቦርድ ውፅኢት ንምርግጋፅ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

20 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ዝተውሃበ ድምፂ ብሓፈሻ ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ 6 ሚሊየን 562 ሺሕን 534 እቶም 5 ሚሊየን 14 ሺሕን 670 ዜጋታት ድምፂ ከምዝሃቡ እውን ተሓሩ፡፡

እቲ ቦርድ ብኣዋጅ 1133/2011 ዓንቀፅ 7 ንኡስ ዓንቀፅ 18 ዝተውሃቦ ውፅኢት ናይ ምርግጋፅ ስልጣን መሰረት ብምግባር፥ ብዕሊ ዝተረጋገፀ ውፅኢት ቀፂሉ ኣብ ዘሎ ስእላዊ መግለፂ ቀሪቡ ኣሎ።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኣብ መግለፂኡ፥ ኣብ ከይዲ እቲ መረፃ ንዝተሳተፉ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment