ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መንግስት ንፓርቲታት ፖለቲካ ዝህቦ ሓገዝ ንምውሳን ኣብ ዝወፅአ መምርሒ  ብምድሃብ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ይዛተ ኣሎ።

ምምሕያሽ እቲ መምርሒ መንግስቲ ንፓርቲታት ፖለቲካ ዝህቦ ሓገዝ ኣብ ቀፃሊ በቲ ኣዋጅ መሰረት ብምግባር ዝምደበሉ ኩነታት፣ ዝከፋፈለሉ መለክዒ፣ ስልሒትን ኣጠቓቕማን ከምኡ እውን ምሕደራ ብዝምልከት ግልፂ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ፓርቲታት ፖለቲካ ሓሳብ ዜጋታት ብዝተወደበ መገዲ ምግላፅ ንኽኽእሉን ኣብ ኣሰራርሐኦም እውን መካተቲ ውሽጣዊ ዴሞክራሲ ብምጥንኻር ኣብ ዘበናዊ ፓርቲነት ክህልዎም ዝግባእ ትካላዊ ዓቕሚ ኣጠንኪሮም ንህንፀት ስርዓት ምሕደራ ዶሞክራሲ ጭቡጥ ግደ ንኽዋፅኡ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅን መምርሒን ፓርቲታት ፖለቲካ ካብ መንግስቲ ዝረኽዎ ሓገዝ ሕጋዊ ስራሕቲን ሓላፍነታትን ንምውፃእ ኣብ ረብሓ ንመውዓል ከምዘለዎም ኢዩ።

እቲ መምርሒ በቲ ቦርድ ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣብ ዝተውሃቦም ሃገራዊን ክልላዊን ፓርቲታት ተፈፃሚ ከምዝኸውን ተገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ሓገዝ ብማዕረን ብዘይሻራውነትን ከምዝከፋፈል ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተሓቢሩ።

ብይስማው ኣደራው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment