ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ህፁፅ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣካብነት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ህፁፅ ኣኼብኡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣሳሊጡ።

እቲ ኣኼባ ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዘጋጠመ ሕፅረት ዝናብ ኣብ ደቡባዊ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብ ምዕራብን ኢትዮጵያ ደርቂ ምግጣሙን ብዙሓት ፀገማት ምስዓቡን ርእዩ።

ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ዝርዝር ኩነታት እቲ ደርቂ፣ ዘብፀሖ መጠን ጉድኣት፣ ዝተገበሩ ስራሕቲ ዝምልከት ብፃብ ገምጊሙ።

ጉድኣትን ጥንካረታትን ብምፍላይ፣ ኣብ ሓፂርን ነዊሕን እዋን ክፍፀሙ ዝግበኦም ተግባራትን ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓትን ብምፍላይ ብሓባር ምስራሕ ዘኽእል ኣንፈት ኣቐሚጡ።

ብፍላይ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝስርሑ ስራሕቲ ብምዝርዛር ኣብ ቀረባ እናገምገመ ንምስራሕ ምውሳኑ ካብ ቤት ፅሕፈት መክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment