ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ፍሉይ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብቲ ጨረታ 27 ባንኪታት ከምዝተሳተፉ እቲ ባንኪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ገሊፁ፡፡
በዚ ድማ ማእኸላይ ዋጋ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ንሓደ ዶላር ኣሜሪካ 135 ነጥቢ 6185 ብር ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ኣፍሊጡ፡፡
ኩነታት ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ብቕርበት ብምክትታል ከከምኣድላይነቱ ተወሳኺ መሸጣ ሸርፊ ወፃኢ ከምዘካይድ እውን ሓቢሩ፡፡