ብሄራዊ ባንኪ ኣብ ዋሽንግተን ዝነበሮ ፀንሒት ዕዉት ኢዩ – ኣይተ ማሞ ምህረቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ዝገበረ ፃንሒት ሸቶኡ ዝወቕዐን ዕዉትን ከምዝኾነ ገዛኢ እቲ ባንኪ ማሞ ምህረቱ ኣፍሊጦም፡፡

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘካተተ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ፤ ዓለም ለሐ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዘሰናደኦ ዓመታዊ ኣኼባ ተሳቲፉ፡፡

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሮም ፃንሒት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ኣብቲ ኣኼባ ኢኮኖሚ ዓለም ኣብ 2024ን 2025 ብ3 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ከምዝዓቢ ኣብቲ ኣኼባ ከምዝተገለፀ ፀሪሖም፡፡

“ካብዚ ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ናህሪ ዋጋ ማእኸላይ ባንኪታት ብዝወሰዱዎ ዝተዋደደ ጥቡቕ ፖሊሲ ገንዘብ ምኽንያት እናተረጋገአ ይኹ እምበር÷ ሕዚ እውን ልዑል ምኽባር ናብራ ከምዘሎን ኣብ ናህሪ ዋጋ ብዝተወገኑ ተግባራት ዓወት ከምዝተረኸበን ተላዒሉ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ከም ዓብዪ ስግኣት ካብ ዝረኣዩ ብብርኪ ዓለም ዕዳ መንግስቲ ምውሳኽ፣ ጂኦ ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ክልከላታት ንግዲ ምስፍሕፋሕን ዕቤት ኢኮኖሚ ዓለም ኣብ ማእኸላይ ግዘ ከምዝጎድኦ ከምዝተልዓለ እውን ኣብሪሆም፡፡

ልኡኽ ኢትዮጵያ ጎድና ጎድኒ እቲ መድረኽ÷ ምስ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራዊን ከባቢያዊን ትካላት ከምዝተዛተየ ኣልዒሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ሓለፍቲ ትካላት ባንኪ ዓለም ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን፣ ምስ ማእኸላዊ ባንኪታት፣ ምስ ሰብ ሃፍቲን ናይ ወፃኢ ባንኪታትን ከምዝዘተየ ሓሮም፡፡

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ እናተወሰዱ ብዛዕባ ዝርከቡ ሪፎርምታት ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ብሄራዊ ባንኪ ተግባራዊ እናተገበረ ዝርከብ ሓዱሽ ማዕቐፍ ፖሊሲ ገንዘብ ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢን ዘለዎም ረብሓ ከምኡ እውን በቲ ሪፎርም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ማሕለኻታት ንምንካይ ብዛዕባ ዝተገበሩ ቅድመ ምድላዋት ገለፃ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

እቶም ትካላት ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ኣንፈት ለውጢ ብኣድናቖትን ብኣብነትን ከምዝምልከቱዎን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ርክብ ንምጥንኻር ፍላጎት ከምዘለዎም ምርግጋፆም ኣይተ ማሞ ኣመልኪቶም፡፡

Comments (0)
Add Comment