ብሄራዊ ባንኪ መመልከቲ ውልቀ ቢሮታት ሸርፊ ወፃኢ ንምኽፋት ምቕባል ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ናይ ውልቀ ቢሮታት ሸርፊ ወፃኢ ንምኽፋት መመልከቲ ፍቓድ ስራሕ ምቕባል ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷  ካበ 22 ሓምለ 2016 ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ብዝወዓለ መምርሒ ስራሕ ሸርፊ ወፃኢ ቁ.01/2016 መሰረት ብምግባር ቢሮ ውልቀ ሸርፊ ወፃኢ ክኸፍቱ ዝደልዩ መመልከቲ ስራሕ ፈቓድ ንኸቕርቡ ፀዊዑ፡፡

ኣብ ዕዳጋ ተደሪኾም ሸርፊ ወፃኢ ብጥረ ገንዘብ ምሻጥን ምዕዳግን ዝደልዩ ቢሮ ውልቀ ሸርፊ ወፃኢ ንኽጣየሹ ብዝተፈቐደ መሰረት ናይ ኢትዮጵያ ዜግነት ዘለዎም ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ ከምኡ እውን ናይ ካሊእ ሃገር ዜግነት ዘለዎም ትውልደ ኢትዮጵያውያን መለክዒ ቢሮ ሸርፊ ወፃኢ ብምምላእ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ፍቓድ ክኸፍቱ ከምዝኽእሉ እውን ኣፍሊጡ፡፡

Comments (0)
Add Comment