ብሄራዊ ስርዓት ሓበሬታ ስራሕ ክዝርጋሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ስርዓት ሓበሬታ ስራሕ ከምዝዝርጋሕ ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ገሊፁ።

እቲ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ድሌት ስራሕን ቁጣርን ዝስንድ፣ ደላዪ ስራሕን ቆፃሪን ብቐሊሉ ዘራኽብን ሓፈሻዊ ዕዳጋ ስራሕ ዘተሓዳድርን ዲጂታል ስርዓት ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ፥ ድሌት ስራሕን ቀረብን ዝተሳለጠን ዘበናዊን ንኽኸውን እቲ ንሄራዊ ስርዓት ዕዳጋ ስራሕ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፀን፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣህመዲን መሐመድ ብግደኦም፥ እቲ ሚኒስቴር ምስ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር ዝዝርገሖ ብሄራዊ ስርዓት ሓበሬታ ስራሕ ምንባብ ትካላትን ብሓባር ምስራሕን ስለዝሓትት ኩሎም ትካላት ተዋዲዶም ንኽሰርሑ ሓቲቶም።

እቲ ስራሕ ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ሚኒስቴር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ትካል ስራሕ ዓለምን ጂ ኣይ ዜድን ብምትሕብባር ከምዘሳልጡዎ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ህንፀትን ተግባርን ብሄራዊ ስርዓት ሓበሬታ ስራሕ ብሓባር ንምስራሕ ዝተፈላለዩ ቤት ዕዮ ሚኒስትራት ስነ-ስርዓት ክታም ቃል ኪዳን ከምዝገበሩ እውን ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment