ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምኽባር ኣጀንዳና ኢዩ – ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምኽባር ናይ ክብሪን ትውልዲን ኣጀንዳኦም ከምዝኾነ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ ገሊፆም።

መንግስቲ ምስ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ዞባዊ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪካን ጠሚቱ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ÷ ኣብ እዋናዊ ጂኦ ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣንድምታኢን ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም።

በዚ ድማ ኣባይን ቀይሕ ባሕሪን ሓያላት ሃገራት ጎሊሁ ዝረኣየሎም ቀንዲ ጂኦ ፖለቲካዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ከምዝኾና ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ እዚ ተለዋዋጢ ዞባዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከም ሃገር ዝግበኣ ብሄራዊ ረብሓ ንኽትሕሉ ፓርቲታት ፖለቲካ ብፅሒቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ዞባዊን ጉዳያት ምርድዳእ ከምዝፈጠሩ ተገሊፁ።

ኣካቢ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ደስታ ዲንቃ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ዞባዊ ጉዳይ ጂኦ ፖለቲካ ብዝምልከት ሰፊ መብርሂ ከምዝተውሃበን ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐን ተዛሪቦም።

እዋናዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ ትኹረት ዝጠልብ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ኣካቢ፥ ውሽጣ ሓድነት ብምፍጣርን ሰላም ብምርግጋፅን ንምኽባር ብሄራዊ ረብሓን ፓርቲታት ፖለቲካ ብሓባር ንምስራሕ ቆራፅነቶም ከምዘረጋገፁ ፀሪሖም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment