ብሄራዊ ማሕበር ቡን ኢትዮጵያ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ማሕበር ቡን ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጣይሹ።

እቲ ማሕበር ቅድሚ ሕዚ ዝተጣየሹ ሓሙሽተ ማሕበራት ብሓባር ከምዘጣየሹዎ ተሓቢሩ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሻሂን ቡንን ኢትዮጵያ ዶክተር ኣዱኛ ደበላ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ማሕበር ንምጥያሽ ኣብ ዝሃለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ምድላው እናተገበረ ፀኒሑም።

ጥያሽ እቲ ማሕበር፥ ንልምዓት ፍርያት ቡን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ሓረስቶት ንምሕጋዝ እውን ብፅሒቱ ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ማሕበር ፕሮጀክታት ብምሕንተፃፅ ዓበይቲ ስራሕቲ ክሰርሕ ከምዝግበኦ ኣመልኪቶም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን መስራቲ ጉባኤ እቲ ማሕበር እናተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብመተሓዳደሪ ደምቢ እቲ ማሕበር ልዝብ ዘተ እናተኻየደ ምዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment