ብሃገራዊ ለውጢ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምጥንኻር ጠመተ ብምሃብ ከምዝስራሕ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሃገራዊ ለውጢ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምጥንኻር ጠመተ ብምሃብ ከምዝስራሕ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ደገፍ ተሳሊጡ።

እቲ ደገፍ፥ “ንሰላምና ዘብዒ ክንከውን ኢና ለውጢ ክነቐፅል ኢና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ሎሚ መዓልቲ ታሳሊጡ።

እቶም ርእስ ምምሕዳር ኣብቲ ሰልፊ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ክልል ሲዳማ ብመንግስቲ ለውጢ ዝረኸበቶ ብዙሓት ዕድላት ንምቕፃል ጠመተ ብምሃብ ክስራሕ አዩ ኢሎም።

ድሑራት ኣተሓሳስባታት ብምሕንጋጥ ገስጋስ እቲ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ፍፁም ተቐባልነት ከምዘይብሎምን እውን ኣረጋጊፆም።

ኣብቲ ሰልፊ፥ ለውጢ ዘመዝገበፐም ብዙሓት ውፅኢታት ኣጠናኺርካ ኣብ ምቕፃል ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ለውጢ ከምዝስለፍ ምምስካሩ ምግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment