ብሃገራዊ ለውጢ ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣፍልጦ እናሃብና ዝተረፉ ድማ ብሓባር ምስራሕ የድሊ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሃገራዊ ለውጢ ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣፍልጦ እናሃብና ዝተረፉ ድማ ብሓባር ምስራሕ የድሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ መበል 36 ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠመተ ብምግባር ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ሂቦም።

ሃገራዊ ለውጢ ንክመፅእ ዝገበሩ ከልተ መሰረታዊ ጉዳያት ከምዝኾኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ንሳቶም ድማ፥ ነባር ፀገማትን እዋናዊ ስብራትን ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ብመንፅር እዚ ነባር ፀገማት ብሃገራዊ ዘተን ሽግግር ፍትሒን ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብዘተ ፅባሕ ዝሓሸ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ዝሓለፉ በደላት ድማ ብሽግግር ፍትሒ ከምዝፍትሑ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ፀገማት ድማ ብትካላት ሪፎርም ይፍትሑ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ብመንፅር እዚ ብሃገራዊ ለውጢ ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣፍልጦ እናሃብና ዝተረፉ ድማ ብሓባር ምስራሕ የድሊ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment