ቤት ፍርዲ ኬንያ ክሲ ራይላ ኦዲንጋ ውድቂ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ )ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ተሳዒሮም ዝነበሩን እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ

ዝወሰዱዎን ራይላ ኢዲንጋ ዘቕረቡዎ ክሲ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ውዱቕ ገይሩዎ።                                                                            

ብመሰረት እዚ ቅድሚ ኢሉ ብኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር ተዓዋቲ ዝተብሃሉ ዊሊያም ሩቶ፥ ተመራፂ ፕሬዚዳንት ኬንያ ምዃኖም ተረጋጊፁ።

ዊሊያም ሩቶ ቅድሚ ሰለስቲ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ 5ይ ፕሬዚዳንት ኬንያ ኮይኖም ከምዝተመረፁ ይዝከር

ልዕሊ 14 ሚሊየን ኬንያውያን ድምፂ ሂቦም ሂቦምሉ ኣብ ዝተብሃለ መረፃ ዊሊያም ሩቶ 50 ነጥቢ 49 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ተዓዊቶም።

ተናሓናሒኦም ዝነበሩ ራይላ ኦዲንጋ ድማ ውፅኢት እቲ መረፃ ኣይቅበልን ብምባል እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዶምዎ ፀኒሖም።

ነቲ ጉዳይ እናተኸታተለ ዝፀንሐ ላዕለዋይ ፍርዲ እታ ሃገር እውን ንክሲ ኦዲንጋ ውዱቕ ገይሩዎ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment