ቤት ፍርዲ እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋን ኣይተ ኣባይ ወልዱን ሓዊሱ ን4ይ ግዘ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ተጠርጠርቲ ፖሊስ ደረጃ ተሳትፎኦም ፈሊዩ ንኸቕርብ ኣዚዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፍርዲ እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋን ኣይተ ኣባይ ወልዱን ሓዊሱ ን4ይ ግዘ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ተጠርጠርቲ ፖሊስ ደረጃ ተሳትፎኦም ፈሊዩ ንኸቕርብ ኣዚዙ።

እቶም ተጠርጠርቲ ሎሚ መዓልቲ ንራብዓይ ግዘ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ጉዳዮም ተራኢዩ።

መርማሪ ፖሊስ ኣብ መቐለ ዘሎ ተወሳኺ ጉጅለ ምርመራ ናይ 85 ሰባት መሰኻኽር ቃል ተቐቢሉ ከምዝለኣኸን 500 ገፅ ዘለዎ መረዳእታ ከምዘተርጎመን ከምዝኡ እውን 200 ሰነድ መሰኻኽር ምውዳዱ ኣብሪሁ።

ጠበቓታት ተጠርጠርቲ መበገሲ መጠርጠሪ ኣብ ዘይብሉ ተወሳኺ ግዘ ምሕታት ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ መካትዒ ነጥቢ ኣልዒሎም።

ተሳትፎኦም ኣይተፈለየን ክብሉ እውን መቃወሚ ኣቕሪቦም።

ፖሊስ ዝኣከቦም ሰነዳት ኣተርጒሙ ፈሊዩ ንኽቐርብ ዘኣዘዘ ቤት ፍርዲ፥ ንተወሳኺ መዓልቲ ምርመራ 13 መዓልቲ ንፖሊስ ፈቒዱ።

ኣይተ ስብሓት ነጋ ብውልቀ ሓኪም ንኽሕከሙ ዘቕረቡዎ ስምዕታ ብዝምልከት ቤት ፍርዲ ናይ ውልቀ ሓኪሞም ናብ ዘለዉዎ ቤት ማእሰርቲ መፂኦም ሕክምና ንኽህቡዎም ዝፈቐደ እንትኸውን፥ ልዑል መሳርሒ ሕክምና ክሕገዙ ኣብ ዝድለየሉ እዋን ስምዕታ ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment