ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ተወሳኺ ምርራ ንምግባር 12 መዓልቲታት ንፖሊስ ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ተወሳኺ ምርራ ንምግባር 12 መዓልቲታት ንፖሊስ ፈቒዱ።

ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ብዝተጠርጠሩዎ ሕገመንግስቲን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ናይ ምፍታን ገበን ምርመራ እናተገረበሎም እንትኸውን፥ ንተወሳኺ ምርመራ ልዕሊ ክልተ ግዘ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ጉዳዮም ተራኢዩ ኢዩ።

መርማሪ ፖሊስ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተውሃቦ ተወሰኽቲ 14 መዓልቲታት ምርመራ ብዙሓት ስራሕቲ ምርመራ ምስርሑ ኣብሪሁ።

ካብ ሞንጎ ኢዚኣቶም ድማ ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ኲናት ብምልዕዓልን ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ንኽፍፀም ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣብቲ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ዴፖ ነዳዲ ንኽዝረፍ ተሳትፎ ከምዘለዎም መረዳእታ ምእካቡ ፀሪሑ፡፡

ኢትዮጵያ ምስዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምብልሻውን ንምቁራፅ እናሰርሑ ከምዝነበሩ እው መረዳእታ ምእካቡ ዝሓበረ እንትኸውን፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ዘፃሪ ጉጅለ ምርመራ ምኻዱ ስዒቡ ውፅኢት ምርመራ እቲ ጉጅለ ንምምፃእን ዝተረፉ ስራሕቲ ምርመራ ንምስላጥን ተወሳኺ ግዘ የድሊየኒ ኢዩ ኢሉ።

ተጠርጣሪ ዶክተር ኣደስ ኣለም ባሌማ ምስጠበቐኦም ቀሪቦም ክሳብ ሕዚ 90 መዓልቲታት ምእሳሮምን ዝተሰርሐ ምርመራ እኹል ስለዝኾነን ብምግላፅ ተወሳኺ ግዘ ክወሃብ ኣይግባእን ክብሉ መቃወሚ ብምቕራብ ዋሕስ ሓቲቶም።

መርማሪ ፖሊስ እውን ንሕቶ ዋሕስ ተቓዊሙ።

ክትዕ ክልቲኡ ወገን ዘድመፀ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ብግድኡ፥ 12 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ምርመራ ንፖሊስ ፈቒዱ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment