ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኣይተጃዋር ሓዊሱ ክሳብ ታራ ቁፅሪ 10 ዘለዉ ተጠርጠርቲ ዓቃቢ ሕጊ ክሳብ 8 መስከረም 2013 ዓ.ም ክሲ ንኽምስርት ብይን ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ብርኪ መጋባእያ ፌዴራል ታረኛ ቆፀሮ ምድብ ኣራዳ፤ ኣብ ልዕሊ ኣይተጃዋር ሓዊሱ ክሳብ ታራ ቁፅሪ 10 ዘለዉ ተጠርጠርቲ ዓቃቢ ሕጊ ክሳብ 8 መስከረም 2013 ዓ.ም ክሲ ንኽምስርት ብይን ሂቡ።

እቲ ቤት ፍርዲ፥ ኣብ ልዕሊ ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ሓዊሱ ክሳብ ታራ ቁፅሪ 10 ዘለዉ ተጠርጠርቲ ዓቃቢ ሕጊ ካብ 2 ክሳብ 5 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም ቃል መሰኻኽር ቀዲሑ ብምውሳድ ክሳብ 8 መስከረም 2013 ዓ.ም ክሲ ንኽምስርት ኢዩ በዪኑ ዘሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ፥ ካብ ታራ ቁፅሪ 11 ክሳብ መበል 14 ዘለዉ ካልኦት ተጠርጠርቲ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ክሲ ንኽምስረተሎም ትኣዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ተጠርርጠርቲ ዘቕረቡዎ ሕቶ ዋሕስ ብዝምልከት ድማ ብመሰረት መቕፅዒ ሕጊ ገበነኛታት ቁፅሪ 93 ኣብ ቤት ህንፀት ንኽፀንሑ እቲ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ሂቡ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment