ቤት ፍርዲ ብክሕደት ሃገር  ኣብ ልዕሊ ዝተኸሰሱ 48 ውልቀሰባት ናይ ቅፅዓት ውሳነ ተዋሂቡ

 

ኣዲስ ኣበባ፣  28 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ሃገር መከላከያ ሰራዊት እዚ ደቡብ ቀዳማዊ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምትሕብባር ብገበን ሃገር ክሕደትኣብ ልዕሊ ዝተኸሰሱ 48 ኣባላት እቲ እዚ ካብ 9 ኣወርሕ ክሳብ 18 ዓመትን 8 ኣዋርሕን ዝበፅሕ ፅኑዕ እስራት ንክቕፅዑ ውሳነ ሂቡ።

ሎሚ መዓልቲ መጋባእያ ዝተቐመጠ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ 47 መዝገባት ናይ 48 ተኸሰስቲ ጉዳይ ናይ መጠቓለሊ ውሳነ ንምሃብ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብመሰረት እዚ፡-

1. ግደይ ገብረዮሐንስ 18 ዓመትን ሰለስተ ኣወርሕን ፅኑዕ እሰራት

2. ሹምዬ ወልደብርሀን 17 ዓመት ፅኑዕ እስራት

3. ገብረኪዳን ወልደማርያም 18 ዓመት ፅኑዕ እስራት

4. ሀብቱ አበራ ግደይ 17 ዓመት ፅኑዕ እስራት

5. ወንድም ገብረዋህድ 18 ዓመት ሰለስተ ኣዋርሕን ፅኑዕ እስራት

6. ካሱ ብርሀነ ተወልደ 18 ዓመት ፅኑ እስራት

7ኛ. ሹመንዲ ትርፌ 18 ዓመትን ሰለስተ ኣዋርሕን ፅኑዕ እስራት

8. ገብረሳሙኤል ወላይ 14 ዓመት ክልተ ኣዋርሕን ፅኑዕ እስራት

9. አደም ያደታ 6 ዓመት ፅኑዕ እስራት

10. ኪኒሶ መኮንን 5 ዓመት ፅኑዕ እስራት

11. ላዕከ ክፍሌ 13 ዓመትን 1 ወርሕን ፅኑዕ እስራት

12. ብርሀነ ወላይ 10 ዓመት ፅኑ እስራት

13. ወልዳይ ብርሀኔ 5 ዓመትን  5 ወርሕን ፅኑ እስራት

14. ሀዱሽ ገብረመድህን 13 ዓመትን 2 ኣዋርሕን ፅኑ እስራት

15ኛ. ብርሀኔ ገብረወልድ 17 ዓመት ፅኑዕ እስራት

16ኛ. አብርሀም ጉበቦ 2 ዓመት 9 ኣዋርሕን ፅኑዕ እስራት እንትውሰኖም ዝተረፉ ድማ ከከምጥፍኣቶም መጠነ ውሳነ ቅፅዓት ተወሲኑዎም።

ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ልዕሊ እቶም ተኸሰስቲ ብሰብ ምስክርን መረዳእታን ኣደጊፉ ካብ መንጎ ዘቕረቦ፥  ናይ ሰራዊት ኣባላት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንክዕምፁ ብምልዕዓልን ኣባላት ብምኹብላልን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሃገር ጉድኣት ንክበፅሕ ዝተፈላለዩ ሴራታት ብምጥንሳስ ገበናት ኣብቲ መዝእገብ ክሲ ተገሊፁ ኢዩ።

ብፍላይ ምስ ኣሸባሪ ህወሓትን ኣመራርሓ ሸኔን ሚስጢራዊ ርክብ ብምፍጣር ነይ ወገን ጦር ንፀላኢ መጥቃዕቲ ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ ናይ መከላከያ ሰራዊት ናይ ጦር መሳርሒ ኣገልግሎት ንከይህቡ ምብልሻው ከምኡውን ብዝርርብ ናይ ኣሸባሪ ህወሓት ፕሮፓጋንዳ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምንዝሖም ኣብቲ መዝገብ ክሲ ተኻቲቱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment