ቤት ፍርዲ ለንደን ጁሊያን አሳንጅ ንኣሜሪካ ንከይወሃብ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤት ፍርዲ፥ ንምስጢራት መንግስታት ከቃልዕ ዝፀንሐ መስራቲ ዊኪሊክስ ጁሊያን አሳንጅ ንኣሜሪካ ንኸይወሃብ ወሲኑ።

ዳኛ እቲ ቤት ፍርዲ፥ ብጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ ጁልያን ስለዘይተኣማመነ እቲ ክሱስ ነብሱ ክቐትል ሓሳብ ከምዘለዎ ምስ ፈለጠ “ሓፈሻዊ ኩነታት ጥዕና ኣሳንጅ ተስፋ ምቑራፅን ፅልኣት ምንባርን እዩ ዘንፀባርቕ” ብማለት ንኣሜሪካ ኣሕሊፍካ ክወሃብ ከምዘይብሉ ወሲኑ።

ወዲ 49 ዓመት ኣሳንጅ፥ ቅድሚ 10 ዓመት ዝተፈላለዩ መንግስታት “ጥብቂ ምስጢር” ኢሎም ዝለኣኣኹዎ ንዝነበሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢሜይላት ኣብ ድሕረ ገፁ ብምሕታም ናብ ህዝቢ ስለዘቃለዐ እዩ ብኣሜሪካ ብፅኑዕ ዝድለ ዘሎ።

እታ ሃገር፣ ኣሳንጅ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝለጠፎም ምስጢራዊ ሰነዳት ንህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለዘውደቐ ብፅኑዕ ትደልዮ ከምዘላ እያ ትገልፅ።

እቲ “ዊኪሊክስ” ዝተሰምየ ንምስጢራዊ ሰነዳት መንግስታት ዝፀናፀን መርበብ ሓበሬታ ዘጣየሸ ጁሊያን አሳንጅ፥ ኩሉ ዝቐርበሉ ዘሎ ክስታት ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ብምዃኑ ናብ ኣሜሪካ ንከይመሓላለፍ ኣጥቢቑ ክከራኸር ፀኒሑ ኣሎ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment