ቤት ፍርዲ ህንፃታት ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብዘይሻራዊ ኣመሓዳሪ ተታሒዞም ንኽመሓደሩ ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቤት ፍርዲ ህንፃታት ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብዘይሻራዊ ኣመሓዳሪ ተታሒዞም ንኽመሓደሩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል 1ይ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ምድብ ኣራዳ 16፣ 17ን 18 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፥ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ህንፃን ንግዲን ቀንዲ ቅንዲ ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ዘይሻራዊ ኣመሓዳሪ ንኽሽየም ውሳነ ሂቡ።

ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዳይሬክተር ጀነራል ብገበን ዝተረኸበ ሃፍቲ ምምላስ ዝኾኑ ኣይተ ኣለምኣንተ ኣግደው፥ “ቤት ፍርዲ ነቲ ውሳነ ክህብ ዝኸኣለ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ ምርመራ ገበንን መፅናዕቲ ሃፍቲን እናተኻየደ ምዃኑ መበገሲ ብምግባር ኢዩ” ኢሎም፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ጉጅለ ካብቶም ህንፃታት ዝረኽቦ ኣታዊ ኣብ ተግባር ራዕዲ ፋይናንስ ንምግባር ከየውዕሎ ንምክልኻል፣ ብዝተጠርጠሩሉ ገበናት ብቤት ፍርዲ ትፍኣተኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ሃፍቶም ስለዝውረስ ተሓሊዩ ንኽፀንሕ፣ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ እዚ ሰሜን፣ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታትን ሲቪል ትካላትን ዘብፀሖ ዕንወትን ጉድኣትን ንምክሕሓስ ዝውዕል ስለዝኾነ፣ ከምኡ እውን ናይ ተጠርጠርቲ ንብረት ዝሓዙ ኣካላት ዝፍፅሙዎ ምዝራፍ ንምክልኻል ብዝብል ብዝተጠርጠሩሉን ዝተኸሰሱሉን ገበን ቤት ፍርዲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክሳብ ዝህብ ዘይሻራዊ ኣካል ንኸመሓድሮም ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ቤት ፍርዲ ስምዕታ ምቕራቡ ስዒቡ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ቤት ፍርዲ ስምዕታ ዓቃቢ ሕጊ ድሕሪ ምምርማር፥ እቶም ህንፃታት ኣብ ትሕቲ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራልን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ዝርከብ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኮመርሻል ኖሚኒስ ንኽመሓደሩ ውሳነ ሂቡ።

ብመሰረት እቲ ውሳነ ኣመሓዳሪ ዝተሸመሎም መንበሪ ኣባይቲን ንግዲን ህንፃታት በዝሖም ልዕሊ 30 እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ፡-

ü ብሽም ጄ/ል ፃድቃን ገ/ተንሳይ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ 2 (ክልተ ህንፃታት)፣

ü ብሽም ጄ/ል ኣበበ ተክለሃይኖት ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሓደ  G+5 (ወለላ ሕንፃ)፣

ü ብሽም ብ/ጄ ታደሰ ወረደ መቐለ ዝርከቡ 2 (ክልተ)ህንፃታት፣

ü ብሽም ብ/ጄ ተክላይ ኣሸብር ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ G+5 ሕንፃ (ብሌን ሕንፃ)

ü ብሽም ብ/ጄ ዮሃንስ ወ/ጅወርጊስ መቐለ ዝርከቡ 3 (ሰለስተ) ህንፃታት፣

ü ብሽም ሜ/ጄ ህንፃ ወ/ጊወርጊስ መቐለ ዝርከብ 1 (ሓደ) ሕንፃ፣

ü ብሽም ሜ/ጄነራል ኢብራሂም ኣብዱል ጄሊል መቐለ ዝርከብ 1 (ሓደ) ሕንፃን

ü ብሽም ሃይለ ተስፋኪሮስ ገ/ሕይወት መቐለ ዝርከቡ 3 (ሰለስተ) መከፋፈሊ ነዳዲ ይርከቡዎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment