ቤት ፍርዲ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብምቕታል ተጠርጢሮም ኣብ ቁፅፅር ኣብ ልዕሊ ዝወዓሉ ውልቀ ሰባት ፖሊስ ምርመራ ንክገብር ተወሳኺ 10 መዓልቲ ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃጫሉ ሁንዴሳ ብምቕታል ተጠርጢሮም ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ ፖሊስ ምርመራ ንክገብር ቤት ፍርዲ ተወሳኽቲ 10 መዓልቲ ፈቒዱ።

ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ ተረኛ ምድብ ችሎት ቅድመ ሐዚ ኣተሓሕዝኦም ብዝምልከት ምምሕዳር እሱራት ቀሪቡ ንከብራህርህ ትእዛዝ ምሃቡ ስዒቡ መጋባእያ ውፅኢት ምርመራ ንምፅባይ ዝተሰየመ እንትኸውን፥ ካብ ምምሕዳር እሱረኛታት ግን ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይተረኸበን።

መርማሪ ፖሊስ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ሓቢሩ ካሊእ እዋን ንክቐርቡ ሓቲቱ።

መርማሪ ፖሊስ ቅድመ ሐዚ ኣብ ዝተውሃቦ ተወሳኺ ጊዜ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምርመራ ዕላዊ ገይሩ።

ተወሳኺ ቃል ምስክራት ከምዝተቐበለ፣ ዝተፈላለዩ መረዳእታት ቴክኒክ ከምዝኣከበ፣ ካልኦት ተሓባበርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ብምእታው ምርመራ እናገበረ ከምዝኾነ ነቲ መጋባእያ ኣረዲኡ።

ኣርቲስት ሃጫሉ ዝተተኮሰሉ ሽጉጥ እውን ምርመራ ፎረንሲክ ተገይሩሉ ናይቲ ወንጀል ፍረ ከምዝኾነ ዘርእይ ውፅኢት ከምዝበፅሖ ኣብራህሪሁ።

ከምኡውን ውፅኢት ምርመራ ኣስከሬን መዋቲ ከምዝተቐበለ ዝገለፀ እቲ መርማሪ ፖሊስ፥ ንብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን እውን ናይ ስልኪ ልውውጣት ከምዝለኣኸን ኣብ ድሕሪ እቲ ቅትለት ዘለዉ ተወሰኽቲ ጉዳያት ብጥንቃቐ እናመርመረ ከምዝኾነን ዘርዚሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ድሕሪኦም ብዙሓት ተሓባበርቲ ኣለዉ ዝብል ጥርጣረ ስለዘለኒ እቲ ምርመራ ብጥንቃቐ ይገብር ምህላወይ ስዒቡ ብመሰረት ስነስርዓት መቕፅዒ ገበን ሕጊ ተወሳኺ 14 መዓልታት ይወሃበኒ ክብል ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ።

ቀዳማይ ተጠርጣሪ ጥላሁን ያሚ ብግድኡ፥ “ወፂአ ናይ ፀሓይ ብርሃን ኣይረኸብኩን፣ ቅያር ክዳን ኣይረኸብኩን፣ ስለዚ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ይሃበኒ፣ ካቴና ንክፍተሐለይን ካብ ጣቢያ ፖሊስ ናብ ቤት ህንፀት ንክዛወርን ይፈቐደለይ” ክብል ኣቕሪቡ።

ካልኣይ ተጠርጣሪ ኣብዲ ኣለማዮሁ፥ “ናብ ደገ ወፂአ ብርሃን ፀሓይ ንክረክብ ቤት ፍርዲ ይፍቀደለይ” ክብል ኣመልኪቱ።

እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ኣተሓሕዘኦም ብዝምልከት እኹል ብርሃን ፀሓይ ንክረኽቡ ንክግበርን ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ትእዛዝ ዘይቀረቡ ተወከልቲ ምምሕዳር ቤት ህንፀት ንምንታይ ቀሪቦም ከምዘይኣብርሁን ንከረድኡ ብድጋሚ ንክቐርቡ ትእዛዝ ሂቡ።

ንመርማሪ ፖሊስ እውን ተወሳኺ ስራሕቲ ምርመራ ንከምፅእ 10 መዓልቲ ፈቒዱሉ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment