ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ መቐለ ብዕሊ ስርሑ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ መቐለ ብዕሊ ስርሑ ጀሚሩ።

ኣብ ትግራይ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ብናነት ዘንቀሳቀስሉ ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጠረ እውን ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ነቢዩ ስሑል ሚካኤል መጅማር እቲ ስራሕ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ብኣምባገነንነት ጉጅለ ህወሓት ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ከልለ ትግራይ ቢሮ ከፊቶም ምስራሕ ዘይኽእልሉ ኩነታት ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ጉጅለ ተወጊዱ ኣብቲ ክልል ለውጢ ብምምፅኡ ፓርቲ ብልፅግና ሓዊሱ ካልኦት ሕጋዊ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ብነፃነት ዝንቀሳቐስሉ ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ መቐለ ብዕሊ ስርሑ መጅማሩ ብምሕባር፥ ካልኦት ሕጋዊ ፓርቲታት እውን ብተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ዝኽእልሉ ዕድል ተፈጢሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ዝተጀመረ ምዕራፍ ለውጢ ነቲ ህዝቢ ዘሳተፍን መናእሰይ ብቐዳምነት ገስገስቲ ለውጢ ንምግባር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ለውጢ ቅድመ ሐዚ ኣብ ክልል ተግራይ ዝነበሩ ማሕበራዊ ፈትሒ ዝቐርፍ ኢዩ እውን ኢሎም።

ንፍትሒ ህዝቢ ዘረጋግፅ ጭቡጥ ስራሕ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ብሓቂን ብህብረ ብሄራዊነትን ብምሕጋዝ ትግራይ ናብ ሓቃዊ ምዕባለ ንምሽግጋር ከምዝስራሕ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment