ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝርከብ ፅንፈኛ ጉጅለ ሕገ-መንግስቲ ስለዝጠሓሰ ስራሕቲ ምኽባር ልዕለነት ሕጊ ንምስራሕ ከምዝተገደደ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምኽፋቱ ስዒቡ፤ መንግስቲ ኣብ ሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 51 ብዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ብምግባር ሰፊሕ ወፍሪ ምኽባር ሕገ-መንግስቲ እናካየደ ከምዝርከብ ገሊፁ።

እዛ ሃገር ን27 ዓመታት ብጉልበቱ እናመርሐ ዝነበረ ጉጅለ እንትኸውን፥ እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ፌዴራል ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅአሉ መጋቢት 2010 ጀሚሩ ካብ ተሓታትነት ሕጊ ብምህዳም ንባዕሉ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ሓቢኡ ይርከብ ኢሉ።

ጉጅለ ትፍኣት ሕወሓት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብዛ ሃገር ልዑል ፀገም ፀፅታ እናፈጠረ ከምዝፀንሐ ዝገለፀ እቲ መግለፂ፥ መንግስቲ ምስ ህወሓት ዘለዎ ኣፈላላይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ንኣዋርሕ ተዓጊሱ ድርድርን ሽምግልናን እናካየደ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሩ።

ይኹን እመበር እቲ ገበነኛ ጉጅለ ህወሓት፥ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንኢትዮጵያ ናብ ፀገም ንምእታው ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትብፍላይ ኣብ ምዕራብ ጎንደር፣ ሻሸመኔ፣ ኣርሲ፣ ባሌ፣ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ፣ ጉራ ፈርዳ ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምዕራብ ወለጋ ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ኢዱ ከምዘለዎ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ፌዴራል ዘይሻራዊ መደራደርቲ ብምጥቃም እውን ኣፈላላይ ንምፍታሕ ዝገበሮ ፃዕሪ ንጎኒ ዝበለ ህወሓት፥ ካብዚ ብዝበኣሰ ድማ ኣብቲ ክልል ዘይሕጋዊ መረፃ ብምክያድ ንባዕሉ ሕጋዊ መንግስቲ ኢየ ክብል ከምዝፀንሐ ገሊፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃወ ድማ ንውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ መቐመጢኡ ኣብ ልዕሊ ዝገበረ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ እዚ ሰሜን 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ምሸት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋቱ፤ መንግስቲ ፌዴራል ዝወሰኖ ብሕታዊ ተግባር እቲ ሰራዊ ንባዕሉ ንኽከላኸልን ልዕልነት ሕጊ ከኽብር ምግባርን ኢዩ ኢሉ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፅ 93 መሰረት ብምግባር ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ክልል ትግራይ ን6 ወርሒ ዝፀንሕ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዘውፀአን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እውን ነቲ ኣዋጅ ከምዘፅደቖን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ነቲ አዋጅ ህፁፅ እዋን ዘፈፅም ብኣካቢነት ላዕለዋይ ኣዛዚ ጦር ኤታማዡር ሹም ዝምራሕን ግቡእነት ምስ ዘለዎም ካብ ዘለዎም ኣካላት ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ዘለዉዎ ግብሪ ሓይሊ ኣብቲ ኣዋጅ ተጣይሹ።

እቲ ግብረ ሓይሊ ኣድላዪ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፦

  • ፖሊስ ሓዊሱ ዝኾነ ይኹን ሓይሊታት ፀፅታ ዕጣቖም ክፈትሑ ምግባር
  • ምንቅስቓስ ትራንስፖርት ሓዊሱ ኣድላይቲ ኢዮም ኢሉ ኣብ ዝኣመነሎም ካልኦት ምንቅስቓሰሳት እግዳ ምንባር
  • ገደብ ሰዓት እቶ እቶ ምውፃእ
  • ምንቅስቓስ መሳርሒታት ኲናት ምቁፅፃር
  • ሜላታት መራኸብቲ ሓፋሽ ክቋረፁ ምግባር
  • ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተሳቲፎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ሒዙ ምፅናሕ ዝብሉ ሓላፍነታት ኣለዉዎ።

መንግስቲ ፌዴራል ልዕልነት ሕጊ ምኽባር፣ ሕገ-መንግስቲ ምሕላውን ምክልኻልን ከምኡ እውን ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምሕናው ሐሣላፍነቱ ከምዝዋፃእ እውን እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ምክልኃል ፌዴሪኢእውን ኣብ ክልል ትግራይ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ጉድኣት ከይበፅሕ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መገዲ ተግባር እቶም ጉጅለ ገበነኛታት አንመወዳእታ ጠጠው ከምዘብሎ ሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment