ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣዲስ ኣበባ ዓሰርቲአን ክፍለ ከተማታት ንዝተውፃእፃኣ 200 ደቂ ኣንስትዮ መኣዲ ኣካፊሉ።
ፈጠራ ብዝተሓወሶ መገዲ ብኸመይ መሰረታዊ ኣትክልቲ ኣብ ገዛና ንምፍራይ ከምዝከኣል ዘርእዩ ኣብቲ ቀፅሪ ዝሳለጡ ስራሕቲ ሕርሻ ከተማ እውን ተዓዚበን፡፡
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚነሲትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣይተ ተፈሪ ፍቅሬ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኣቑሑት መሊስካ ኣብ ረብሓ ኣብ ምውዓል ሕፅረት ቦታ ፈቲሕኻ ንምግቢ ዝውዕል ኣብ ደገኣፍ ገዛ ምርካብ ባህሊ ምግባር የድሊ ኢሎም፡፡
ኣሕምልቲ ገደና ብዝምልከት ሞያዊ ሓገዝ ብብርኪ ክፍለ ከተማ፣ ወረዳን ቀበሌን ምርካብ ከምዝከኣል ብምሕባር፥ ኩሉ ሰብ ብተበግሶን ብሓላፍትን ምግቡ ካብ ገዝኡ ንምርካብ ንኽሰርሕ ከምዝበረታታዕ ምግላፆም ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡