ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ንፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ድጋፍ ንዝገበሩ ትካላት አመስጊኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ንፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ድጋፍ ንዝገበሩ ትካላት አመስጊኑ።

እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኮይሻ፣ ጎርጎራን ወንጪን ብሓባር ንምልማዕ ንዘቕረብዎ ፃውዒት ብምቕባል ድጋፍ ገንዘብ ንዝገበሩ ትካላት ኢዩ አመስጊኑ።

ብመሰረት እዚ፦

ባንኪ ዘመን – 10 ሚሊየን ብር

ኢንተርናሽናል ባንኪ ቡና  – 10 ሚሊየን ብር

ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣዲስ – 5 ሚሊየን ብር

ማሕበር ኣክሲዮን ስራሕቲ ንግዲ ፋይናንስ ካፒታል ኣቑሑ ኣዲስ – 5 ሚሊየን ብር

ማሕበር ኣክሲዮን ባንኪ ኣባይ – 10 ሚሊየን ብር

ማሕበር ኣክሲዮን መድሕን ጠለፋ ኢትዮጵያ – 5 ሚሊየን ብር

ባንኪ ወጋገን  – 10 ሚሊየን ብር ክሳብ ሐዚ ገንዘብ ኣታዊ ዝገበሩ ኢዮም።

ካልኦት ትካላት እውን ካብ 5 ክሳብ 10 ሚሊየን ብር ኣታዊ ዝገበርሉ ብፅሒት ባንኪ ብኢሜል ኣድራሻ dineforethiopia@pmo.gov.et ንክልእኹ ፃውዒት ቀሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment