ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ዘፈር ትምህርቲን ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢን ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ዝነኣድ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ዘፈር ትምህርቲን ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢን ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ዝነኣድ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ኣጋሮ ዝሓነፆ ፋብሪካ ሕሩጭን ባኒን ሎሚ መዓልቲ መሪቖም፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት÷ ኣብ ዘፈር ትምህርቲን ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢን ዝሳለጡ ስራሕቲ ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ዝነኣድ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፋብሪካ ኣብ መዓልቲ 300ሽሕን ባኒን 42 ቶን ሕሩጭን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ፡፡

ንቲ ፋብሪካ ሃኒፅካ ንምውዳእ 7 ኣዋርሕ ዝወደአ እንትኸውን÷ ስራሕቲ ህንፀቱ ድማ ብግሩፕ ኢንቨስትመንት ሚድሮክን ምሕዝነት ማሽነሪስ ሂቤይ ፒንግልን ተሳሊጡ፡፡

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ 11 ከተማታት ተመሳሳሊ ዓቕሚ ዘለዎም ፋብሪካታት ባኒን ሕሩጭን ብምሕዝነት ንምህናፅ ምስ ኢንቨስትመንት ሚድሮክ ድሕሪ ምኽታም ኣብ ከተማ ኣጋሮ ዝተመረቐ ፈላማይ ፋብሪካ እዩ፡፡

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት÷ ቅድመ ሐዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መዓቲ 1 ሚሊየን ባኒ ዘፍርይ ፋብሪካ ሃኒፁ ከምዝዛዘመ ይዝከር፡፡

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment