ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብ100 ሚሊየን ብር ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ዘህነፆ ፋብሪካ ሕሩፅን ባኒን ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብ100 ሚሊየን ብር ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ዘህነፆ ፋብሪካ ሕሩፅን ባኒን ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርቓት፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ሶማሌ ሙስጠፌ መሃመድ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ሓዊሱ ነበርቲ ከተማ ጅግጅጋ ተረኺቦም።

እቲ ፋብሪካ መዓልታዊ 300 ሺሕ ባኒን 420 ኩንታል ሕሩፅን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣጋሮ፣ ጎንደር፣ ወላይታ ሶዶ፣ ሃረር፣ ቦንጋ ን ሃዋሳን ፋብሪካታት ሕሩፅን ባኒን ተሃኒፆም ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

እቶም ፋብሪካታት ብገደፍ ገንዘብ ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ዝካየዱ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ብፍሬሕይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment