ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዕጡቓት ሓይሊታት ዕጥቆም ብምፍታሕ ናብ ማሕበረሰብ ንክሕወሱ ዘኽእል ብሄራዊ ኮሚሸን ተሃድሶ ንምጥያሽ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 15 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ኮሚሸን ተሃድሶ ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ብዝምልከት፥  ኣብ ኩሉ ከባቢታት እዛ ሃገር እንትካየዱ ዝፀንሑ ጎንፅታት ብሰላማዊ መገዲ ናይ መወዳእታ ዕልባት ንክረኽቡ ኣድላዪ ምዃኑ ርእዩ።

ስለዝኾነ ብዝተወደበ መገዲ ዕጥቂ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይሊታት ዕጥቆም ብምፍታሕ ናብ ማሕበረሰብ ብዘላቕነት ንክሕወሱን ሰላማዊ ናብራ ምምራሕ ንክኽእሉን ንምግባር፣ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራሲን ንክሳተፉ ንምግባር እቲ ኮሚሽን ምጥያሽ ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛቲዩ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ዝቐረበ ደንቢ ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምግባር እታዎታት ብምውሳኽ ካብ ዝፀደቐሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

ብተወሳኺ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ናይ ቀፃሊ ግዳጃትን ዝጠዓዓም ማዕቐፍ ሕጊ ዘድሊ ምዃኑ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ስለዝኾነ ሐዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኣዋጅ ዝትክእ ረቂቕ ኣዋጅ ብምድላው ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምግባር እታዎታት ብምውሳኽ ንክፀድቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሙሉእ ድምፂ ነክምራሕ ወሲኑ።

ኣብ መወዳእታ፥ ኣወዳድባ፣ ሰልጣንን ተግባርን ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ተዛቲዩ።

እቲ ደንቢ ብመንፅር ዝህልዎ ረብሓ ብምግምጋምን ዓምዩቕ ዘተ ብምግባርን እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment