ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ደምቢ ስርዓት ኣሰራርሓ ጉባኤ መፃረዪ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ደምቢ ስርዓት ኣሰራርሓ ጉባኤ መፃረዪ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ናብ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ ኣብቲ ስርዓት ኣሰራርሓ ተወሳኺ ሓሳባትን እታወታትን ብምውሳኽ ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ 6ይ ዘበን ፓርላማ፣ 3ይ ዓመት እዋን ስራሕ፣ 2ይ ስሩዕ ጉባኤኤ ይቕፅል ኣሎ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ እዋን÷  መፃረዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ትርጉም ሕገ መንግስቲ የድልዮ ኢዩ ወይ እውን ኣየድልዮን ብዝብል ኣብ ዝሃቦ ውሳነ ቅርታ ዝተሰመዖ ናብቲ ቤት ምኽሪ ዝቐርቡ ሕገ መንግስታዊ ጥርዓናት ብዕምቆት እናተመርመሩ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ቅልጡፍ መዕለቡ ብመሃብ ዜጋታት ፅሬት ዘለዎን ዝተቐላጠፈን ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ናይ ባዕሉ ግደ እናተዋፅአ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንትና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ኣካቢ መፃረዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ መንግስቲን ኣይተ ቴዎድሮስ ምህረት÷ መፃረዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ዝተውሃቡዎ  ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነታት ንምውፃእ ሕገመንግስታዊ መሰል ዜጋታት ከይጣሓስ ጥርዓናት እናመርመረ መልሲ እናሃ ከምዝርከብ ምሕባሮም ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment