ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝቐረበ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ድልድል ድጎማን ሓበራዊ እቶትን ዝቐረበ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ኣፅዲቑ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መበል ካልኣይ ዓመት ዘበን ስራሕ ፈላማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ።፡

ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ትልሚ ኣመልኪቶም ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ኣቕሪቦም ብኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ምላሽ ተዋሂቡሉ፡፡

ብፍላይ ስርዓት ፌዴራል ቀንዲ መሰረት ፊስካል ፌዴራሊዝም ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ሽመልስ÷ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ምስ ክፍፍል ሃፍቲ ተተሓሒዙ ቅድሚ ዝነበሩ ፀገማት ብመፅናዕቲ ብምፍላይ ንምቕራፍ እናተሰርሐ ይኹን እምበር እቲ ፀገም ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ግን ቆፀራ ህዝቢን ገዛን ምክያድ ክዝግባእ ገሊፆም።

ዘለዉ ሃገራዊ ፀገማት ብቕልጡፍ ተፈቲሖም ቆፀራ ህዝቢ ክሳብ ዝካየድ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ነቲ ቆፀራ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment