ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ኣከባብራ መበል 15 በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣድሂቡ ይዝቲ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ኣብ ኣከባብራ መበል 15 በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣድሂቡ ይዝቲ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣከባብራ እቲ በዓል ብዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተዛተየ ከምዝኾነ ተሓቢሩ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፥ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኣከባብራ በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን እዚ ዓመት ለውጢ ከምዝተገበረሉ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምግላፁ ይዝከር።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ቅድሚ ሕዚ ብኣሰናዳእነት ሓንቲ ክልል ዝኅበረሉ መገዲ ተሪፉ ካብ 15 ሕዳር 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝወፅአ መርሃ ግብሪ ኣብ ክልላት ከምዝኽበር ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment