ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ህዝበ ውሳነ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ሎሚ ውሳነ ክህብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ህዝበ ውሳነ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር ሎሚ ውሳነ ክህብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
 
ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሓሙሽተ ዞባታትን ሓንቲ ወረዳን ባዕሎም ክኢሎም ብኽልልነት ንምውዳብ ህዝበ ውሳነ ኣካዪሮም ኢዮም።
 
20 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ምሃብ ድምፂ፥ ሓሙሽቲአን ዞባታትን እታ ሓንቲ ወረዳን ሓደ ሓበራዊ ክልል ንምምጥያሽ ደጊፎም 1 ሚሊየን 221 ሺሕን 92 ሰባት ድምፂ ሂቦም።
 
ብኣንፃሩ ኣካል ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ ኮይኖም ንምቕፃል ዝደገፉ 24 ሺሕን 24 ድምፂ ከምዝሃቡ ይፍለጥ።
 
እቲ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ድማ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ህዝበ ውሳነ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር ሎሚ ውሳነ ክህብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
 
ኣማኻሪ ሕጊ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዶክተር ዘለቀ ተመስገን፥ ኣብ ናይ ፅባሕ ጉባኤ ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ዛዕባታት ሓደ መረፃ ህዝበ ውሳነ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ስዒቡ ውሳነ ንመሃብ ከምዝኾነ ንግዜኢ ገሊፆም።
 
አቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ፅባሕ 6ይ ዘበነ ፓርላማ 1ይ ዓመት1ይ ኣኼቡኡ፥ ሓሙሽቲኦም ዞባታትን ሓንቲ ወረዳን ብኽልልነት ንምውዳብ ብዝወሰኑዎ መሰረት ክውስን ኢዩ ኢሎም።
 
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
 
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
 
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
 
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
 
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
 
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
 
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ
ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment