ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ ብዛዕባ ክልል ትግራይ ዝምልከት ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ባይቶ ክልል ትግራይን ላዕለዎት ኣካላት ፈፀምቲ ሕጊን ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከይፍፅም ወሲኑ።

ፀሓፊ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትርጉሙ ሕገ-መንግስቲን ማንነትን እቲ ፌዴሬሽን ኣይተ ወርቁ ኣዳሙ ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ መንግስቲ ፌዴራል ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ርክብ ከይገብር ውሳነ ምምሕልላፉ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ መንግስቲ ፌዴራል ሰላም፣ ልምዓትን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ብምግባር ምስ ወረዳ፣ ምምሕዳር ጣቢያታት ከተማ ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ሕጋዊ ትካላት ትራሕ ርክብ ስራሕ ንኽገብር ወሲኑ ኢዩ።

ከይዲ ኣፈፃፅማ እቲ ውሳነ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝምልከቶም ቀዋሚ ኮሚቴታትን ክትትል ከምዝግበረሉ ኣይተ ወርቁ ኣብሪሆም።

እቲ ትማሊ ዝተወሰነ ውሳነ ቅድሚ ሕዚ 30 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼባ ብዝወሰኖ ውሳነ መሰረት ብምግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ እዋን ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ መፈፀምቲ ኣካላትን ኮሚሽን መረፃን መረፃ ብዝምልከት ዘውጸኦ ኣዋጅ፣ ዘሕለፎም ውሳነታትን ዝፈፀሞም ተግባራትን ንሕገ-መንግስቲ ዝፃረሩ ስለዝኾኑ፥ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 9(1) ከምዘይተገበሩ ዝቑፀሩ፣ ዘይፀንዑን ተፈፃሚነት ዘይብሎምን ኢዮም ዝብል ውሳነ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ብኣዳነች ኣበበ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment