ቤት ምኽሪ ፀፅታ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሃናፂ ግደ ብምፅዋት ኣብ ጎድኒ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ክስለፍ ከምዝግባእ ተገሊፁ  

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፀፅታ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሃናፂ ግደ ብምፅዋት ኣብ ጎድኒ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ክስለፍ ይግባእ ክብል ቤት ምኽሪ ኣሜሪካውያን ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ንተወካሊት ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ወርሒ መጋቢት ፕሬዚዳንት ኣምባሳደር ሊንዳ ግሪኔልድ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ክሳብ ዝዛዝምን እቲ ክልል ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሃናፂ ግደ ብምፅዋት ኣብ ጎድኒ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ክስለፍ ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ንሰላምን ፀፅታን ኢትዮጵያ ንዘርኣይዎ ትኹረት ንኢዶም።

ሰላምን ምርግጋዕን እዛ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ብፀረ ዴሞክራሲ ጉጅለ ህወሓት ዕንቅፋት ከምዘጋጠሞ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ጉጅለ ካብ ዝገብሮም ዝነበረ ናይ ጥፍኣት ምንቅስቓሳት ንክምለስ ዓሊሞም ዝቐረብሉ ፃውዒት ሰላም ብምንፃግ ናብ ተግባር ጥፍኣት ከምዘምረሐ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ገበነኛነት ምቕያሩን ገንዘብ እናመደበ ህዝቢ ክጎድኡ ናብ ዝኽእሉ እኩይ ተግባራት ምእታዉ ምርግጋፁን ሓቢሮም።

ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ብምንዛሕ፣ ስም መንግስቲን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ብምጥፋእን ናይ ህዝቢ ስም ብምጥፋእን ዝጥቀመሉ መገዲ ንጥፍኣት ዝዕድም ከምዝኾነ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድነትን ሉእላውነትን ንምርግጋፅ ንዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ እቲ ቤት ምኽሪ ንክድግፍ ኣፅንኦት ሂቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment