ኣዲስ ኣበባ ፣12 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣፍሪካ ክትባት ኮቪድ 19 ንምብፃሕ ዓለም ለኸ ደገፍ ክብ ክብል ከምዝግባእ ኣፍሊጡ።
ኣፍሪካ ክሳብ ሐዚ ብብርኪ ዓለም ካብ ዝወሃቡ ከትባታት እቲ 2 ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዝተቐበለት ተገሊፁ።
ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፥ ንኣፍሪካ ዝግበር ዝተወሰነ ኣቕርቦትን እኹል ዘይኮነ ሓገዝን እታ ኣህጉር ካብቲ ለበዳ መሊሳ ንክተመሓይሽ ኣብ ዝግበር ከይዲ ፀገም ከምዝፈጥር ተዛሪቦም።
“ፅርየት ዘለዎ፣ ድሕንነቱ ዝሓለወ፣ ውፅኢታዊን ዓቕሚ ዘየገናዘበን ምርመራ ኮቪድ 19፣ ሕክምና፣ ፍትሓዊ ተበፃሕነት መድሓኒትን ክታበትን” ከምዘድሊ ገሊፆም።
ኣብ ኣፍሪካ ኣብዚ ሐዚ እዋን 4 ነጥቢ 759 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም እቶም 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሐሹዎም ኢዩ።
127 ሺሕን 596 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።
ፍልፍል ፦ ቢቢሲ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።