ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መሰረቱ ኣብ ኣብ ኣሜሪካ ዝገበረ ቤት ምኽሪ ዜጋታት ኣሜሪካውያን ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ኮኒኑ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ከይዲ መረፃ ኢትዮጵያ ኢዶም ዘእትዉ ወይ ደምፂ ቅድሚ ምውሃቡ ጥርጣረ ንምፍጣር ዝፍትኑ ኩሎም ሓይሊታት ወፃኢ ከምዝኹንን እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ናብ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ገሊፁ።
አትዮጵያ ዘይሻራዊ ዝኾነ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ምጥያሻ፥ ንዴሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስግግር ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝኾነ የመላኽት ኢሉ።
“መንግስቲ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኢትዮጵያ ዝሃቦ ትኹረት እናነኣድና፤ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ሓንቲ ሃገር ዘየድሊዩ ኢድ ኣእታውነት ግን ዘስዕቦ ሓደጋ የተሓሳስበና ኢዩ” ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ከምዝኾነ አውን ኣብ ደብዳቤኡ ገሊፁ።
ኣብ ዝኾነት ልእላዊት ሃገር ከምዚ ዓይነት ክሕደት እንትፍፀም ክውሰድ ዝግባእ ስጉምቲ መነግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝወሰደ በምግላፅ፥ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድነትን ልእላውነትን እታ ሃገር ንምሕላው ኣብ ዝገበሮ ፃዕሪ ክድገፍ ይግበኦ” ክብል ገሊፁ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!