ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግዲን ማሕበራትን ሲያልኮት ፓኪስታን ዓለባታት ስፖርት ንምፍራይ ስምምዕነት ፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግዲን ማሕበራትን ሲያልኮት ፓኪስታን ኣብ ብወፃኢ ንግዲ ኢትዮጵያ ደረጀኦም ዝሓለዉ ዓለባታት ስፖርት ንምፍራይ ምስ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ሃና ኣርኣያስላሴን ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ዘፈር ንግዲን ማሕበራትን ሲያልኮት ኣብዱል ጋፎርን እቲ ሰነድ ስምምዕነት ፈሪሞምዎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓ ክታም÷ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር፣ ኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲፍ ሻሪፍን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

እቲ ስምምዕነት ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ዘሎ ቆራፅነት ዘርአየ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment