ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ክልል ትግራይ መበል ሻምናይ ሓፍሻዊ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ክልል ትግራይ መበል ሻምናይ ሓፍሻዊ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሜኒሰቴር ኢንዱስትሪ ኣይተ ሓሰን መሓመድ፥  ግደ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ኣገዳሲ ብምዃኑ መንግስቲ ጠመተ ሂቡ ይሰርሐሉ ምህላው ሓቢሮም።

ሜኒስቴር ኢንዱሰትሪ መፍረይቲ ትካላት ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ምንቅስቓሰ እናወገነ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ልምዓት ምሰላጥ ናይ ህልውና ጉዳይ ምኻኑ ብምእማን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ ብግደኦም፥ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ድምፂ መፍረይቲ ዝስመዐሉ ውዳበ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ድሕሪቲ ዝነበረ ኲናት ብዝተፈጠረ ሃዋህው ሰላም ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ፃዕሪ ይግበር ምህላዉ ብምዝኽካር፥ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን እታ ክልል ንምግሃድ እናሰራሕና ኢና ኢሎም።

ንኣብነት ምንቅስቓስ ንግድን ኢንዳስትሪን ክልል ትግራይ ንምንቕቓሕ ዝዓለሙ ሃገር ለኸ ባዛርን ኢግዝብሽንን፣ ሃገር ለኸ ምንቅናቕ ኢንድስትሪ ትግራይ ከም ዝተሳለጠ ረቚሖም።

Comments (0)
Add Comment