ኣብ ክልል ጋምቤላ ኩለ መዳይ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓ ብቁርፀኝነት ንክሰርሑ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ ስሩዕ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ጁል ናንጋል ከመዝበልዎ፥ ኣብ ጋምቤላ ኩለ መዳይ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓ ብቁርፀኝነት ክሰርሑ ይግባእ።

ኢትዮጵያውያን ብሓባር ብምዃን ዝተኸፈተና ሃገር ናይ ምፍራስ ሽርሒ ምምካትን ልዕልነት ሕጊ ምኽባርን ኣጠናኺርና ከንቅፅለሉ ኣለና ኢሎም።

መጥቃዕቲ ህወሓት ንምምካት ኩለ መዳይ ደገፍ ምግባር ካብ ህዝቢ እቲ ክልል ትፅቢት ከምዝግበር እውን እቶም ኣፈ ጉባኤ ተዛሪቦም።

እቲ ቤት ምኽሪ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ጉባኤኡ ዘካይድ እንትኸውን፥ ኣፈፃፅማ መደባት 2013 ዓ.ም ክግምግም ኢዩ።

ብተወሳኺ መደባት ኣፈፃፅማ 2013 ዓ.ም ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት ምኽሪ፣ ቤት ፍርዲን ዋና ኦዲተርን ከምዘዳምፅ ካብ ፕሬስ ሴክሬቴሪያት እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment