ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ርኽክብ ስልጣን ክልል ሲዳማ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልል ደቡብ መበል ሓምሻይ ዙር ካልኣይ ህፁፅ ጉባኤኡ ሎሚ9 መዓልቲ ኣሳሊጡ።
 
እቲ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒያም ሃዋሳ ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ እቶም ኣባላት ኣብ ኣርባዕተ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ልዝብ ገይሮም ኢዮም።
 
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፅርን ቫይረስኮሮና ብዛዕባ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣድሂቡ ዝቐርብ ፀብፃብ ርእዩ።
 
ብተወሳኺ ዞባ ሲዳማ ብብርኪ ክልል ንክውደብ ብምውሳን፥ ርኽክብ ስልጣን ንኽካየድ ዝቐረበ ኣጀንዳ ኣፅዲቑ።
 
እቲ ውሳነ ስዒቡ ሲዳማ መበል ዓስራይ ክልል ዝኾነት እንትትኮን፥ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንክልል ሲዳማ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።
 
ከምኡውን ተወሳኺ ረቂቕ በጀት ዓመተ 2012 ብዝምልከት ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ብምዝታይ፥ ልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ረቂቕ በጀት ኣፅዲቑ።
 
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana
Comments (0)
Add Comment