ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ምዕራብ ህዝብታት ኢትዮጵያ 17 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ባጀት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ምዕራብ ህዝብታት ኢትዮጵያ 17 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ባጀት ኣፅዲቑ።

እቲ ዝቐረበ ባጀት ካብ ምትእኽካብ እቶት እቲ ክልል፣ መንግስቲ ፌዴራል ድጎማን ካልኦት ፍልፍላት እቶት ዝርከብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ንስሩዕን ካፒታል ወፃኢን ኣብያተ ፅሕፈት ማእኸል ክልል 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን፣ ንዞባታት ጥቕሉል ባጀት 14 ነጥቢ 5 ቢሊየን፣ ንክልላዊ ፕሮግራማት 995 ነጥቢ 6 ሚሊየን፣ ንመፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት 434 ነጥቢ 7 ሚሊየን፣ ንመሐለውታ ባጀት 120 ሚሊየን ብሓፈሻ 17 ቢሊየንን 622 ሚሊየንን 88 ሺሕን 402 ብር ከምዝፀደቐ ኣብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment