ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ህፁፅ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ 6ይ ዙር 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ህፁፅ ኣኼብኡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ የሳልጥ ኣሎ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ፀሎተ ህሊና ገይሮም፡፡

ርኢቶኦም ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዝሃቡ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ከምዝገለፁዎ፥ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝፈፀሞ መነወሪ ተግባር ዘሕፍር ከምዝኾነን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን እናብፀሖ ዝርከብ መጥቃዕቲ ብሓባር ደው ብምባል ከምዝግባእ ኣብሪሀን፡፡

ሃገር ንምፍራስ ዝተበገሰ ጉጅለ ጁንታ ስልጣን ናይ መሓዝ ፃምኡን ኣረመኔያዊ ተግባሩን ተሓባቢሩ ብምቅላስ ኣብ ሓፂር እዋን ንኽዛዘም ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

እቲ ቤትምኽሪ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሉኡ፥ ረቂቕ መስራቲ ቃለ ጉባኤ 6ይ ዙር ቤት ምኽሪ መስራቲ ጉባኤ መርሚሩ ምፅቕ ካብኡ ቀፂሉ ብዝቐርብ ሞሽን ተዛቲዩ ከፅቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከይዲ ክልል ናይ ምዃን ሕቶዘመላኽት ፀብፃብን ርኽክብ ስልጣንን ከምዝህሉ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተመልኪቱ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment