ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር በጀት ዓመት 2005 ዓ.ም 10 ቢሊየን 132 ሚሊየን 869 ሺሕን 117 ብር ኣፅቑ።
ንተኸታታሊ መዓልቲታት ኣብ ዝቐፀለ 6ይ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ፥ ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣፈፀምቲ ኣካላት እቲ ቤት ምኽሪ ሓዊሱ ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ዋና ኦዲተርን እቲ ክልል ብምዝታይ እቶም ፀብጻባት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።
ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሎ እቲ ቤት ምኽሪ፥ እቲ በጀት ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰረተ ልምዓታት ከምዝውዕል ነቲ ረቂቕ በጀት ብዝርዝር ዘቕረቡ ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን አይተ ኣሕመድ መሓመድ ገሊፆም።
ፍልፍል እቲ በጀት ካብ እቶት እቲ ክልል፣ ካብ ስልሒት ድጎማ መንግስቲ ፌዴራልን ካብ ወፃኢ ሓገዝን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።
ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ተወሳኺ መብርሂ ዝዝሃቡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባ ብግደኦም፥ እቲ በጀት ብቀንዱ ተጀሚሮም ኣብ ዘይተዛዘሙ ፕሮጀክታ ትኹረት ብምግባር ከምዝተደልደለ ገሊፆም።
“ኣመራርሓ፤ ዘይተደለዩ ወፃኢታት ብምንካይ ህዝቢ ብምትሕብባርን ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ብግቡእ ብምልማዕን ናብራ ህዝቢ ንምምሕያሽ ንኽርሕ ኣንፈት ኣቐሚጥና ኢና” ምባሎም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com