ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላለዩ ረቀቕቲ ኣዋጃት ዘተ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላለዩ ረቀቕቲ ኣዋጃት ልዝብ ብምክያድ ናብ ጨፌ ኦሮሚያ ምምርሑ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ቤት ምኽሩ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣብ ኣርባዕተ ረቀቕቲ ኣዋጃት ብምምይያጥ ናብ ጨፌ ኦሮሚያ መሪሑ ኢሎም።

ብመረት እዚ ውዳበ ሰላም ህዝቢ ‘ጋቸነ ሲርና’ ሕጋዊ ማዕቐፍ ረኺቡ ክንቀሳቐስ ምግባር ወሳኒ ብምዃኑ፥ ናበቲ ጨፌ እቲ ክልል ከምዝመርሖ ገሊፆም።

ነበርቲ እቲ ክልል ባህሊ ምትሕግጋዝ ኢኮኖሚ ንምድንፋዕ ዘኽእል ‘ጋዲሰ ቡሳ ጎኖፋ’፥ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ተመዛበልቲ ልምዓትን ተባሂሉ ንዝፍለጥ ዝትክእ ረቂቕ ኣዋጅ ተዛቲዩ ናብቲ ጨፌ ከምዝመርሖ ተዛሪቦም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ኣፈፃፅማ ትካላት ልምዓት እቲ ክልል ውፅኢታዊ ክገብር ዝኽእል ረቂቕ ኣዋጅ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ክልል ዝተጀመሩ 73 ዝበፅሑ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ንምዝዛም ዝውዕል 13 ነጥቢ 95 ቢሊየን ብር ተወሳኺ በጀት ንኽፀድዘቕ እውን በቲ ቤት ምኽሪ ዘተ ተገይሩሉ ናብ ጨፌ ኦሮሚያ ምምርሑ ኣይተ ሃይሉ ምግላፆም ትፕኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment