ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ኣካላት ኣፈፀምቲ ከምብሓዱሽ ንምጥያሽ ተመሓይሹ ዝወፅአ ኣዋጅ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘካየዶ መበል 18 ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣካላት ኣፈፀምቲ እቲ ክልል ከምብሓዱሽ ንምጥያሽ ተመሓይሹ ዝወፅአ ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

ኮሚሽነር ፕላን እቲ ክልል ኣይተ በድሉ ድንገቱ እቲ ኣዋጅ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ዝተጀመረ ለውጢ ከቐፅል ብዝኽእል መልክዑ ኣፈፀምቲ ኣካላት ከምብሓዱሽ ክጣየሽ ተገይሩ ኢዩ።

መንግስታዊ ትካላት ከምብሓዱሽ ንምውዳብ ዘድለየሉ ምኽንያት ድማ ሃገራዊን ክልላዊን ለውጢ ዝምጥን ኣወዳድባ ብምፍጣር ልምዓትን ምዕባለን እቲ ክልል ንምቅልጣፍ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ብግደኦም፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ክልል ቁፅሮም 54 ዝነበሩ ትካላት ከምብሓዱሽ ክውደቡ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ኣቲ ኣወዳድባ ካብ ክልላት ተሞክሮ ብምውሳድን ምስ ፌዴራል ትካላት ዘሎ ኣወዳድባ ተሓሳቢ ብምግባር ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ኣገኘሁ፥ ስለዝኾነ ድማ ኣፈፀምቲ ትካላት እቲ ክልል ኣብ 23 ትካላት ንኽውደቡ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

እንደገና የተደራጁት ተቋማት እንደሚከተለው ቀርበዋል

ከም ብሓዱሽ ዝተወደቡ ትካላት፡-

1- ቢሮ ሕርሻ

2- ቢሮ ኢንዱትሪን ኢንቨስትመንትን

3- ቢሮ ግዲን ልምዓት ዕዳጋን

4- ቢሮ ቱሪዝም

5- ቢሮ ገንዘብ

6- ቢሮ ፍትሒ

7- ቢሮ ፕላንን ልምዓትን

8- ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን

9- ቢሮ ሰላምን ፀጥታን

10- ቢሮ እቶት

11- ቢሮ መሬት

12- ቢሮ ማይን ኢነርጂ

13- ቢሮ መዓድን

14- ቢሮ ልምዓት መስኖን ቆላማ ከባታትን

15- ቢሮ ከተማን መሰረተ ልምዓትን

16- ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን

17- ቢሮ ጥዕና

18- ቢሮ ትምህርቲ

19- ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ማሕበራዊ ጉዳይን

20- ቢሮ ፈጠራ ስራሕን ስልጠናን

21- ቢሮ መገዲ

22- ቢሮ ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

23- ከምኡ እውን በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢዮም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment