ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ 6ይ ዙር፣ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 7ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ውዕልኡ ዛዕባታት ቀሪቦም ምስተዛተዩሎም ከምዝፀድቁ ትፅቢት ኣሎ።

ካብዚ ብምቕፃል ድማ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ወርሒ ትልሚ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም መንግስቲ እቲ ክልል ቀሪቡ ዘተ ክግበረሉ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ጉባኤ÷ ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ብምስማዕ ከምዘፅድቕን ዝተፈላለዩ ሽመታት ከምዘፅድቕን ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ 3ይ ዘበን ስራሕ 5ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ጋምቤላ እማካየደ ይርከብ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝህልዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ፃንሒት ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ወርሒ ትልሚ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን እቲ ክልል፣ ክንውን ስራሕ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተርን በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ብምስማዕ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment