ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣፅቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ሹመታት ኣፅቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ 5ይ ዓመት 5ይ ዘበን ስራሕ 5ይ ህፁፅ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ ምክያዱ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ ህፁፅ ጉባኤኡ ድማ ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ዝቐረቡሉ ሕፁያት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሽመታት መርሚሩ ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ፦

1. ኣይተ ታደለ ተረፈ – ኣፈ ጉባዔ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል

2. ኣይተ ጌታሁን ኣብዲሳ – ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ

3. ኣይተ ነጂመዲን ኣልሃዲ – ምክትል ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ክልል

2. ኣይተ ሉቅማን ኣብዱልቃድር – ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልማት ከተማ፣ ንግዲ፣ ኢንዱስትሪ፣ ትራንስፖርትን በጀትን ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ብምዃን ተሾይሞም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኮይኖም ዝተሾሙ ኣይተ ጌታሁን ኣብዲሳ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት እቲ ክልል ብሓላፊነት ዘገልገሉ እንትኾኑ፥ ናብዚ ሓላፍነት ክሳብ ዝመፅኡ ድማ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰርሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ፌዴሪኢ ብምዃን እናገልገሉ ፀኒሖም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment