ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ስያመ ብሄረሰቡ “ቤኒሻንጉል” ንኽኸውን ወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ቤት ምኽሪ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ቅድሚ ሕዚ በርታ ተባሂሉ እናተፀወዐ ዝነበረ መፀውዒ ሽም ብሄረሰብ “ቤኒሻንጉል” ተባሂሉ ንኽስየም ዝቐረበሉ መፀውዒ ሽም ብሄረሰብ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ጉባኤኡ እናካየደ ይርከብ።

ስያመ እቲ ብሄረሰብ ብዝምልከት ቤት ምኽሪ እቲ ብሄረሰብ ቅድም ክብል ኣብ ወረዳ ኩርሙክ ብዘካየዶ ጉባኤ ታሪኽ እቲ ብሄረሰብ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ቤኒሻንጉል ተባሂሉ ንኽፅዋዕ ዝቐረበ መፀውዒ ምፅቑ ዝዝከር ኢዩ፡፡

ሎሚ መዓልቲ መፀውዒ ሽም እቲ ብሄረሰብ “ብሄረሰብ ቤኒሻንጉል” ተባሂሉ ንኽፀድቕ ናብ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ዝቐረበ እንትኸውን፥ እቲ ቤት ምኽ ዘተ ምስገበረ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑዎ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ካብዚ ብተወሳኺ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መንፈቕ ዓመት 2014 ዓ.ም ተዛቲዩ ምፅዳቑ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment